ርእይ

ኣብ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝምስረቱ ኣብያተ ት/ቲ ሰንበት እምነት፣ ስርዓትን ትውፊትን ዝፈልጡ፤ ምምሕዳራዊን መንፈሳዊ ኣገልግሎታን ዝርከብ፤ ብስነ ምግባር ዝተሃነፀን ኣብ ሃገራዊ ኮነ ዓለም ለኻዊ ለውጦታት ሰናይ ተፅዕኖ ክፈጥር ዝኽእል ብቑዕ ትውልዲክፈጥሩ ምርኣይ

ተልእኾ

በቢ ደረጅኡ ናይ ዝምስረቱ ኣብያተ ት/ቲ ሰንበት ሓድነት ብምጥንኻርን ማእከላዊ ኣሰራርሓ ብምትካል ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እምነት፣ ስርዓትን ትውፊትን ዘምህሩን ዘሐልዉን ኣብያተ ት/ቲ ሰንበት ብምውቓር፣ ብምጥንኻርን፣ ብምትሕብባርን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ብሃገር ደረጃ ኢሉ ‘ውን ኣብ ሙሉእ ዓለም ንክስፋሕፍሑ ምኽኣል።

እሴት

መንፈሳዊነት፣ ሓድነት

ምትሕግጋዝ/ምድግጋፍ፣ ቀፃልነት፣ መገልገላይነት፣

ክርስቲያነዊ ሓላፍነት፣ ፅንዓትን ምስክርነትን

ብፍቕሪ ዝግበር ኣገለግሎት

ዘበኑ ምቕዳም

እዋናዊ ጉዳያት

ናይ ሓድነቱ መልእኽቲ

ግዚኡ ዝሓለወ አገልግሎት

ዘመን ብአግባቡ ምስጋር ዝከአሎ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ወቕቱ ሓልዩ ከከም ግዚኡ አነባብራ ፣ አቀራርባን ተበፃሕነቱን ብምስፋሕ እንትኸውን ጉዕዝኡ ዕድልን ሽግርን ጎኒ ንጎኒ ዝተአናገደሉ ብምዃኑ ብቤተ ክርስትያን አስተምህሮ መሰረት ቅዱስ ጳውሎስ ንክርስትያናት አብ ዘምሃሮ ትምህርቲ” ናይ እግዚአብሔር ቃል ዝተዛረብኩም ዋኖታትኩም(አቦታትኩም) ሕሰቡ፣ናይ ምንባሮም ፍረ እንዳ ቋመትኩም ብእምነትኩም ምሰልዎም።ዕብ13፡7 ዝበሎ መሰረት ብምሕላውን ሕዪ ዘሎ ናይ አገልግሎት ከባቢ ብምርዳእ ንሰንበት ትምህርቲ ቤታት አገልግሎት ውፅኢታውነት ሕዪ እንሪኦ ፈተና ንምሕላፍ ብስትራቴጂ  ምግልጋልን ዝተፈላለዩ ሽግራት ከከም አመፃፅኦም ንምሕላፍ ብትግሃት ናይ ምስራሕ ሜላን አብ ምዝርጋሕ ይተግህ።”መዓልትታቶም ክፉአት እዮምና ግዚኡ ከአልዎ(ሕለፍዎ)” ኤፌ 5፡16

ብፌስቡክ ይርከቡና

መልእኽትታት

ናይ ቅዱስ ፓትሪያሪክ መልእኽቲ

ናይ ሰንበት ትምህርቲ ቤታት ሓድነት ክጥንክር አለዎ።ናይ ሰንበት ት/ቲ ቤታት መዋቕር ዓለም ለኻዊ አገልግሎትን ቤተ ክርስትያን ሓላፍነት ዝሃበቶ መዋቕር እዩ። ነዚዉን ብኹሉ መዋቕር ብሓድነት እንትትሰርሑ ንቤተ ክርስትያ ፀጋ ንዓና እውን ደስታና ኢኹም።

ብ2013 ዓ.ም ዓመታዊ ናይ ሰንበት ት/ቲ ቤታት ሓድነት ሓፈሻዊ ጉባኤ(አኼባ) ዝተወሰደ መልእኽቲ

ናይ መምርሒ ሊቀ ጳጳስ መልእኽቲ

ናይ ቤተ ክርስትያና ተተካኢ ትውልዲ ዝፈርየሉ ድርጅት እዩ።ናይ ቤተ ክርስትያን አስተምህሮ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብምሕላው ንምቕፃል (ንምምሕልላፍ) አብዚ ዘበን ሓድነት ናይ ሰንበት ት/ት ቤታት ብጣዕሚ አድላዪን ተመሳሳሊ አገልግሎት ብኹሉ ቦታ ስርዓቱ ሓልዩ ንምብፃሕ ዝረድእ ብቅዱስ ሲኖዶስ ሕጊ ተዋሂብዎ ብኹሉ ናይ ቤተ ክህነት መዋቕር  ዝስርሓሉ ገዚፍ መዋቕር እዩ።ነዚውን ኩሉ ናይ ቤተ ክርስትያን አካል ብሙልኡ ቅድሚያ ሂቡ ድጋፍን ምሕብሓብን ክገብር ይግባእ።

ናይ 2013 ዓ.ም ናይ ሰንበት ት/ት ቤታት ሓድነት ዓመታዊ ጠቕላላ (ሓፈሻዊ) ጉባኤ ዝተወሰደ መልእኽቲ

አድራሻና

ሐሳብኩም ጸሓፉልና