መሠረታዊ መረዳእታታት

ሓፂር መግለፂ

ዓለም ለኸ ሓድነት ናይ ሰ/ት/ቤታት ማለትውን ብኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሰ/ት/ቤታት አወዳድባ መምርሒ ብዓለም ለኸ ሰ/ት/ቤታት ሓድነት ጠቕላላ ጉባኤ ዝምስረት ብቅዱስ ሲኖዶስ ፀዲቑ ካብ ጠቕላይ ቤተ ክህነት እስካብ ናይ ጣብያ ሰ/ት/ቤት ዘሎ አገልግሎት ውፅኢታዊ ንምግባር ዝሰርሕ መዋቕር እዩ።

ርእይ

ኣብ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝምስረቱ ኣብያተ ት/ቲ ሰንበት እምነት፣ ስርዓትን ትውፊትን ዝፈልጡ፤ ምምሕዳራዊን መንፈሳዊ ኣገልግሎታን ዝርከብ፤ ብስነ ምግባር ዝተሃነፀን ኣብ ሃገራዊ ኮነ ዓለም ለኻዊ ለውጦታት ሰናይ ተፅዕኖ ክፈጥር ዝኽእል ብቑዕ ትውልዲክፈጥሩ ምርኣይ

ተልእኾ

በቢ ደረጅኡ ናይ ዝምስረቱ ኣብያተ ት/ቲ ሰንበት ሓድነት ብምጥንኻርን ማእከላዊ ኣሰራርሓ ብምትካል ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እምነት፣ ስርዓትን ትውፊትን ዘምህሩን ዘሐልዉን ኣብያተ ት/ቲ ሰንበት ብምውቓር፣ ብምጥንኻርን፣ ብምትሕብባርን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ብሃገር ደረጃ ኢሉ ‘ውን ኣብ ሙሉእ ዓለም ንክስፋሕፍሑ ምኽኣል።

እሴታት (ፀጋታት)

  • ቅዱስን አብነትን ዝኾነ ምምሕዳራዊ አገልግሎት ብትሕዝቶ ፦ ብአነባብርኡን ብቕድስና ስራሕትን ዝምስክር ህፃናትን መናእሰያትን አነ ቅዱስ እየሞ ንስኻትኩም እውን ቅዱሳን ኩኑ ብምባል ናይ አምላኽና ትእዛዝ ዝትርጉም ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ።
  • ፅንዓትን ምስክርነትን ፦ ብግዚኡን አብ ዘይ ግዚኡን ብክርስትያናዊ ማንነት ምፅናዕ ብተግባር ዝትርጉምን ናይ ተጋድሎ አርኣያ ዝኾነ ውሳነ ፣ አገልግሎትን ተግባራዊ ምስክርነትን።
  • ብፍቕሪ ዝኾነ አገልግሎት አብ ውሽጢ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዘለዉ ንምፅናዕ ዘየለዉ ድማ ብትምህርትን ብአርአያ ብምንባር ንምምፃእ እናተግሁ ንኹሉ ፍቕሪ ምሃብ።
  • ዘመኑ ምቕዳም፦ ክርስትያን መናእሰይ አብ ዘይክርስትያናዊ እሴታት(ውህብቶታት) ዝቖመ ነገር ግን ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብርዳእ እንዳተለሓሓመ አብ ዝርከብ ሉአላዊነት አንፃር ” ኩሉ ዓለም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” ዝብል ናይ ክርስትያናዊ ሉኣላዊነት አምላካዊ ትእዛዝ ንዝፍፅሙ ዝተቐደሰ ናይ ክርስትያን ፈተናታት ዝቋቖም ዓቕሚ ንኸማዕብሉ ምሕጋዝ።
  • ክርስቲያናዊ ሓላፊነት ፦ ናይ ትኽክለኛ መንገዲ ዘበላሹ ናይ መናእሰይ ውዕሎ ፍፁም ብዝኾነ ትጋሃት ምክልኻልን ቁፅፅር ብምግባር ናይ ፅቡቕ ስነ ምግባር ፣ጠንኪርካ ምስራሕ፣ናይ ሀገርን ናይ ደቂ ሰባትን ተምሳሌት ምኻን።