ቋሚ ናይ ርክብ ጉዳያት ኮሚቴ
“አሕዋት ብሓባር እንተዝቕመጡ ፅቡቕ እዩ። ዘምሕር እውን እዩ።” መዝ፻፴፫፡፩
ናይ መንበረ ፓትሪያሪክ ናይ ሰንበት ት/ት ቤታት ሓድነት ቋሚ ናይ ርክብ ጉዳያት ኮሚቴ፣ ናይ ሰንበት ት/ት ቤት ሓፈሻዊ አገልግሎት ተቋማዊ ብዝኾነ አሰራርሓ ብዝበለፀ ንክጠናኸርን አብ መላእ ዓለም ውፅኢት ብዘለዎ መልክዑ ተበፃሒ ንክኸዉን ግዚኡ ዝጠልብ ናይ ርክባት መርበብ ብምዝርጋሕ አብ መንጎ ሰንበት ት/ት ቤታት ጠንካራ ዝተቐናጀወ ናይ አገልግሎት ምትእስሳር ከምኡ እውን ክርስቲያናዊ ሕብረት ንኽፍጠርን ናይ ሰንበት ት/ት ቤት አባላት አብ ዝነብርሉ ማሕበረ ሰብ ውሽጢ አወንታዊ ተፅዕኖ ምፍጣር ንክኽእሉ ንምግባር ይተግህ።ነዚ አገልግሎት አብ መላእ ዓለም ካብ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰንበት ት/ት ቤታት መዳለዊ መምርሒ እስካብ ጣብያ ሰንበት ት/ት ቤታት ብዝተዘርገሐ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰንበት ት/ት ቤታት መዋቕራዊ አደላልዋ ውሽጢ በቢ አንፈቱ ዘሎ ናይ መረዳእታ ፍሰት ብምቁፅፃርን ብምትሕብባር አብ መላእ ዓለም ሰንበት ትምህርት ቤታት አብ ትሕቲ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ፅላል ተሰብሲቦም ንሓንቲ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ተልእኾን ናይ ሰንበት ት/ት ቤታት ራእይ ምስኻዕ ንክቀላጠፍፉን ናይ ሰንበት ት/ት ቤታት ፅቡቕ ገፅታ ንክሃንፁ የተሓባብር ፣ ይሕግዝ።