ቀዋሚ ናይ ምሕደራን ፋይናንሳዊ ጉዳያትን ኮሚቴ

“ናይ መስተውዓሊ ልቢ ፍልጠት ይረክብ፥ ናይ ጥበበኛታት እዝኒውን ፈልጠት ትደሊ።”- ምሳሌ ፲፰፥፲፭ 

ሰንበት ትምህርት ቤታት ብቓለ አዋዲ ዝተደንገገሎም ሐዋርያዊ ተልእኮ ብብቕዓት ንክዋፅኡ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ክርስቲያናዊ መርሆታት ንኽኽተሉ ትፅቢት ይግበረሎም።ብሰናይ ምምሕዳርን ብክርስቲያናዊ ናይ አመራርሓ ስነ ምግባርን ዝተቓነዩ ምምሕዳራዊ መምርሕታትን ካብ ምድላው ጀሚሩ ከካብ ሰንበት ትምህርት ቤቱ ዝተውፃእፅኡ ገበርቲ ሰናይ አገልገልቲ ኾነ ናይ ሙልኡ ግዘ ተቖፀርቲ አገልገልቲ ምምልማልን አድላዪ ስልጠና ምሃብ፣ናይ ስራሕ ዝርዝር ቀሪፁ በቢ ስራሕ መደቡ ምድልዳል፣አድላዪ ናይ ገንዘብን ቁሳዊ እታዎታትን ምድላው ምትሕብባርን ምምሕዳርን፣አፈፃፅምኦም ምግምጋም ዘአመሰሉ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ናይ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰ/ት/ቤታት ሓድነት ሓፈሻዊ ጉባኤ ቀዋሚ ናይ ምሕደራን ናይፋይናንስ ጉዳያት ኮሚቴ ካብ ዘከናውኖም ማእኸል ዋና ዋና ተግባራት ይጥቀሱ። እዚ ክፍሊ እዚኦም ተተሓሓዝነት ዘለዎም ገልግሎታት አብ መላእ ዓለም ካብ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰ/ት/ቤታት መዳለዊ መምርሒ እስካብ ናይ ጣብያ ሰ/ት/ቤት ድረስ ብዝተዘርገሐ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰ/ትቤታት መዋቕራዊ አደላልዋ ውሽጢ አብ ትሕቲ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ፅላል ተአኪቦም ንሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ተልእኮን ናይ ሰንበት ትምህርት ቤታት ራእይ ምስኻዕ ኩለንተናዊ ጉልህ ግደ ንኽህልዎም ተሳትፎኦም የተሓባብር፤ አፈፃፅምኦም ውን ይከታተል።

ብፌስቡክ ይርከቡና