ቀዋሚ ናይ መዝሙርን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኮሚቴ

“ዋይ ዜማ ዘሰማዕኩ በሰማይ እመላእክት ቅዱሳን እንዘ ይብሉ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር መልአ ሰማያተ ወምድረ ቅዱሳተ ስብሐቲከ፤ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ሓደራኻ ሰማይን ምድርን ናይ ክብርኻ ምስጋና ዝመልአ እዩ እንዳበሉ አብ ሰማይ ካብ ዝነብሩ ቅዱሳን መላእክት ዝሰማዕኹዎ ዜማ ክንደይ ዝገርም እዩ?”-(ድጓ ዘቅዱስ ያሬድ)

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያ ስርዓተ አምልኮ ካብ ትፍፅመሎም ሰማያዊ ሃፍትታት  ሓደን ዋናን ብአ. ኢ /ያ ብሻድሻይ ምኢቲ ክፍለ ዘመን ብምኽንያት ቅዱስ ያሬድ ካብ ቅዱሳን መላእኽት ዝወረሰቶ ናይ ማሕሌት ዜማ ስርዓት  እዩ።ናይ ቤተ ክርስትያና  ሊቃዉንቲ አምልኾተ እግዚአብሔር ዝፍፀመሎም ናይ ፀሎትን ምስጋናን ስርዓታት ብቅዱስ ያሬድ ናይ ዜማ ምልክታት ብዝተቐመሩን መንፈስ ብዝምስጡ ናይ ዜማ ሜላታት  ይሰርሑ።

ቀዋሚ ናይ መዝሙርን ተዛመድቲጉዳያት ኮሚቴ ካብ ሰ/ት/ቤታት መዳለዊ መምርሒ ብዝወሃቦ ናይ አገልግሎት አንፈት ምኽንያት ናይ ፅባሕ ቤተ ክርስትያንና ተተካኢ ትውልዲ ዘፍርዩ ሰ/ት/ቤታት እዉን እዚ ትውፊት  ካብ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን እንዳተመሃሩ ዘመኑን ብዝፈቕዶ ኪነ ጥበባዊ ትእይንት አማዕሪጎም ንፆም ንምስጋና ከምኡ እውን ንምዕመናን ናይ ወንጌል ቃል ንምብፃሕ ንኸገልግሉ የተሓባብር።ናይ ሰ/ት/ቤታት መዳለዊ መምርሒ ብቓለ አዋድን ብቅዱስ ሲኖዶስን ብዝተወሃቦ ስልጣን መሰረት አብ መላእ ዓለም ካብ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰ/ት/ቤታት መዳለዊ መምርሒ እስካብ እስካብ ናይ ጣብያ ሰ/ት/ቤት ድረሰ ብዝተዘርገሐ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰ/ት/ቤታት መዋቕራዊ አደላልዋ ውሽጢ ንአገልግሎት ዘቕርቡ መዝሙራት ትሕዝቶ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዶግማ፣ቀኖና፣ ትውፊትን ስርዓትን ዝሓለዉ ንክኾኑ ብሊቃውንቲ ጉባኤ እንዳአገምገመ ውፅኢት ዘለዎ ናይ መዝሙርን ተዛመድቲ አገልግሎታትን ብኮሚቴ ምኽንያት የተግብር።

ብፌስቡክ ይርከቡና