ቀዋሚ ናይ ትልሚ ምድላውን ትንተናን ኮሚቴ

“ጎይታ እንተዝፈቅድ እንተነይርና እውን እዚን እቲን ክንገብር ኢና ማለት ይግብአኩም።”ያዕ ፬፥፲፭

ናይ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰ/ት/ቤታት  ሓድነት አብ መላእ ዓለም አብዘለዉ አደላልዋታት ዘላቕነትን ውፅኢትን ብዘለዎ ዘመኑ ዝሓለወ ተቋማዊ አሰራርሓ አገልግሎቱ ንምስላጥ ከም እግዚአብሔር ፍቓድ ብነዊሕን ሓፂርን ግዜያት ዝትግበሩ ናይ አገልግሎት አንፈታት፣ሓፈሻዊ ናይ መራሒ ትልሚ ሜላታትን መርሐ ግብርታትን ይቐርፅ።

ሰ/ት/ቤታት ንህፃናት፣ንመናእሰይን ዓበይትን ዝወሃቦም ኩሉ ዘማልአ አገልግሎታት አብ ዓለምና በቢግዚኡ ፅቡቕ ዕድላትን ፈተናታትን ከምኡ እውን በቢአህጉረ ስብከቱ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ምስ ክርስትያናዊ ዕሴታት ብዘገናዘበ መልክዑ ንኽትግበሩ ብመንፈሳዊ ጥበብ ዝተቓነዩ ቅልጡፍ ናይ አፈፃፅማ  ሜላታት ንምኽታል ይፅዕር።ካብ ምድላው ትልሚ እስካብ አፈፃፅማ አብ ዘሎ ከይዲ ውሽጢ ብመላእ ዓለም ካብ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰ/ት/ቤታት መዳለዊ መምርሒ እስካብ ጣብያ ሰ/ት/ቤታት ድረስ ብዝተዘርገሐ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰ/ት/ቤታት መዋቕራዊ አደላልዋ ውሽጢ አብ ትሕቲ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ፅላል ተአኪቦም ንሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ተልእኮን ናይ ሰ/ት/ቤት ራእይ ምስኻዕ ኩሉ ዘማልአ ጉልህ ግደ ንክህልዎም ተሳትፎኦም የተሓባብር ፣አፈፃፅምኦምውን ይከታተል።

ብፌስቡክ ይርከቡና