ናይ ፅንዓትን ምርምርን ቀዋሚ ኮሚቴ
“ካባኻትኩም ህንፃ ክሰርሕ ዝደሊ ንመደምደምያ ዝአክል ዘለዎ ከምዝኾነ አቐዲሙ ተቐሚጡ ምስ ሰርሖ ዘይቖፅር መን እዩ?”- ሉቃ ፲፬ ፥ ፳፰
ብጣዕሚ ቅልጡፍ ብዝኾነ ለውጢ ውሽጢ ቢእትጓዓዝ ዓለም ከምህላውና መጠን ናይ ዓለም አንፈት አቐዲሙ እንዳቓነየ ሰ/ት/ቤታት በቢዘመኑ ዝነብሮ እዋናዊ ኩነታት ዘገናዘበን ዘመኑ ዝጠልብ አገልግሎት ብክርስትያናዊ ዕሴታትና ተቓንዩ መንፈሳውን ማሕበራውን አገልግሎት ድጋፋትን ዘካተቱ ቅድመ ምድላዋት ምግባር አድላዪ እዩ።ካብዚ አንፃር ናይ ፅንዓትን ምርምርን ቀዋሚ ኮሚቴ ብመላእ ዓለም ካብ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰ/ት/ቤታት መዳለዊ መምርሒ እስካብ ናይ ጣብያ ሰ/ት/ቤታት ድረስ ብዝተዘርገሐ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰ/ት/ቤታት መዋቕራዊ አደላልዋ ውሽጢ ናይ ሰ/ት/ቤታት አደላልዋ ዘጠናኽርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተጠቃሚነት ዘረጋግፁ ናይ ፅንዓት ስራሕትታት ምክያድ፣ሓደሽቲ ናይ አገልግሎት መርሓ ግብርታት እንዳፅንዐ ዘመኑ ዝቐደመ ምድላው ምግባር ዋና ተግባሩ እዩ።
እዚ አገልግሎት ገበርቲ ሰናይ ብዝኾኑ ናይ ሰ/ት/ቤት አባላትን በዓል ሙያታት ንኽትግበር አባላት ይምልምል፣የተሓባብር፣አድላዪ እንትኾን እዉን ብሞያ ልምዲ ዘለዎም በዓል ሙያተኛታት ምኽንያት የፈፅም።