ቋሚ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ጉዳያት ኮሚቴ

“ደጊም ኪዱሞ ንአህዛብ ኩሉ ብአብ ብወልድን መንፈስ ቅዱስን ስም እንዳጥመቕክምዎም ዝአዘዝኩኹም ኩሉ ንክሕልዉ እንዳምሃርክምዎም ደቀ መዛሙርት (ሓሻኽር) ግበርዎም፤ አነ እስካብ ዓለም ፍፃሜ ድረስ ኩሉ ግዜ ምሳኻትኩም እየ።”(ማቴ ፳፰፥ ፲፱-፳)

 

ናይ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰንበት ት/ት ቤታት ሓድነት ቋሚ ናይ ትምህርትና ስልጠና ጉዳያት ኮሚቴ

ሕፃናት ፣ዕብይ ዝበሉን መናእሰይን

  •  ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት፣ዶግማ ፣ቀኖና ፣ትውፊትን ይትበሃልን ፀንቂቖም ንክመሃሩ፣
  • ናይ ቤተ ክርስትያን ሕግን ስርዓትን ንክፈልጡን ንከኽብሩን፣
  • ብክርስትያናዊ ስነ ምግባር ተሃኒፆም ሂወቶም ብምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ንክመርሑን ዘለአለማዊ ሂወት ንምውራስ ንኽዳለዉ፣
  • አብ ምድሪ እንዳሃለዉ ብርሃኖም ንዓለም ኩሉ ዘብርህ ንክኸውንን
  • ናይ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ተልእኮ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ አብ ልዕሊ ጠንካራ መስረት ንምትሕልላፍ ናይ ፅባሕ ቤተ ክርስትያን ብብቕዓት ንኽርከቡ ንምምችቻው ዘለስለሰ ፃዕሪ ይገብር።

ነዚ አገልግሎት ናይ ሰ/ት/ቤታት መዳለዊ መምርሒ ብቓለ አዋዲን ብቕዱስ ሲኖዶስ ብዝተወሃቦ ስልጣን መሰረት ብማእኸል ዝዳሎን ናይ ሰ/ት/ቤታት ስርዓተ ት/ቲ መምርሒ አብ መላእ ዓለም ካብ መንበረ ፓትሪያሪክ ናይ ሰንበት ት/ት/ቤታት መዳለዊ መምርሒ እስካብ ጣብያ ሰ/ት/ቤታት ድረስ ብዝተዘርገሐ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን

ብፌስቡክ ይርከቡና