ቀዋሚ ናይ ልምዓትን ዓርሰ ምኽአልን ኮሚቴ

“ናይ ሰማይ አምላኽ የከናውነልና፥ ንሕናውን አገልገልቱ( ባሮቱ) ተስኢና ክንሰርሕ ኢና፤” (ነህ ፪ ፥ ፳)

ሰንበት ትምህርት ቤታት ዝህበኦም ሃይማኖታዊ አገልግሎታትን ዝተፈላለዩ ክርስትያናዊ ትሩፋትን ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ንኽትግበሩን ብኹሉ ናይ ማሕበረ ሰብ ክፍሊ ዘለዎም ተበፃሓነት ምስፍሕፋሕ ንክኽእሉ መርሐ ግብሮም   ዘፈፅምሉ አተአማማኒ ናይ አታዊፍልፍል የድልዮም።ናይ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰ/ት/ቤታት ሓድነት ቀዋሚ ናይ ልምዓትን ዓርስኻ ናይ ምኽአልን ኮሚቴ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ብመራሒ ትልሚ እተቕምጦም ኩለንተናዊ  ናይ ልምዓት አንፈታት ብምኽታል ናይ ሰ/ት/ቤት አባላት ኮኑ ገባሪ ሰናይ ምዕመናን ብሞይኦም ፣ብጉልበቶም፣ብግዚኦምን ብገንዘቦምን ቤተ ክርስትያንን ሕብረተ ሰብን ብምግልጋል ንክሳተፉ ብመላእ ዓለም  ካብ መንበረ ፓትርያሪክ ናይ ሰ/ት/ቤታት መዳለዊ መምርሒ እስካብ ናይ ጣብያ ሰ/ት/ቤት ድረስ አብ ዝተዘርገሐ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰ/ት/ቤታት መዋቕራዊ አደላልዋ ውሽጢ ብልምዓትን  ዓርስኻ ብምኽአልን ዘርፊ ዝተፈላለዩ አገልግሎታት ብትልሚ የዘጋጁ፣ተፈፃምነቶም ይከታተል።

ናይ ሰ/ት/ቤት አባላት ውን ከከም ደረጃ ዕድሚኦም ብዝምጥኖም ናይ ልምዓት ምንቅስቓሳት እንዳተሳተፉ ዝተፈላለዩ ሙያዊ ክእለታት ምምዕባል ዝኽእልሎምን  ናይ ፅባሕ ቤተ ክርስትያን ዝርከቡ፣ሀገር ብቕንዕና ዘመሓድሩ አርአያነት ዘለዎም ክርስትያናት ንክኾኑ ልምምድ ዝረኽቡሎም ዕድላት የመዓራሪ(የመቻቹ)።

ብፌስቡክ ይርከቡና